ናይ ወላዲነት መሰላትን ግዴታታትን

ናይ ወላዲነት መሰላትን ግዴታታትን

ናይ ወላዲነት መሰላትን ግዴታታትን

ስዊዘርላንድ ዝውለዱ ሕፃውንቲ ኣብ ተወለድኩ ቦታ ዝርከብ ቢሮ ምዝገባ ክምዝገቡ ኣለዎም። እቲ ሕፃን ኣብ ሆስፒታል ዝተወለደ እንተኮይኑ ናይቲ ሆስፒታል ምምሕዳር ዘመዝግቦ ይከውን። እቲ ሕፃን ካብ ሆስፒታል ወፃኢ ዝውለድ እንተኮይኑ ኣዲኡ ወይድማ ሕጋዊ ኣቡኡ (ምስታ ጓል ሓዳር ዘለዎ ሰብ ወይድማ እቲ ሕፃን ሰብ) ወይድማ ብወላዲ ስልጣን ዝተወሃበ ሰብ ጌሩ እቲ ሕፃን ኣብ ዝተወለድሉ 3 መዓልቲታት ውሽጢ ምዝገባ ክካየድ ይግባእ። ናይቲ ሕጻን ምውላድ ንምምዝጋብ ዝሕተቱ ሰነዳት ንምፍላጥ ኣብ ኣካባቢኩም ሓላፊነት ዝተወሃቦ ቤት ጽሕፈት ይርከብ።

ኣቦ ዘግብር ናይ ሕጻን ወዲ/ጓል ወላዲነት ኣፍልጦ

እቶም ጽምዲ ዝተመርዓው በዓል ሓዳር እንተኮይኖም እቲ በዓል ገዛ ኣብ ቤት ጽሕፈት መዝገብ ውድያው ናይቲ ቆልዓ ኣቦ ተባሂሉ ይምዝገብ። እቲ በዓል ገዛ ናይቲ/ታ ቆልዓ ኣቦ ከምዝኮ ዝጥርጠር እንተድኣ ኮይኑ ብዛዕባ ወላዲነት ኣብ ቤት ፍርዲ ቐሪቡ ዓቦ ከምዝኾነ መረጋገጺ ንክህብ እታ ወላዲት ጥርዓን ክተቕርብ ትኽእል።

 

እታ ኣደ ኣብ ትወልደሉ እዋን ዘይተመርዓወት እንተኮይና ኣቦ እቲ ቆልዓ ብግልፂ ኣፍልጦ ክወሃቦ ይግባእ። እዚ ተግባር ኣግባብ ዘለዎ ቤት ጽሕፈት ምዝገባ ብምካድ እቲ/ታ ቆልዓ ቅድሚ ምውላዳ ወይድማ ድሕሪ መውላዳ ክፈፅሞ ይግባእ። ኣቦ ወዱ/ጋሉ ምካኖ ኣፍልጦ ምሃብ እንተድኣ ደልዮም ናይቲ/ታ ሕጻን ኣደ ኣፍልጦ ክወሃብ ንቤት ፍርዲ ምሕታት ትክእል እያ።

 

ስለ ወዲም/ጓልም ወላድነት ኣፍልጦ ምሕታት ዜግነትን ሽም ሕቶ እንተሃልዩዎም ቢሮ ምዝገባ ይርከብ።

መጋጠሚታት (ሊንክ