ማሕበራዊን ባህላዊን ሂወት

ማሕበራዊን ባህላዊን ሂወት

ኣብ ማሕበራዊን ባህላዊን ሂወት ብከመይ ይሳተፍ?

ሂወት ብቐሊሉ ንክትላመዱን ሕጉስ ንክትኮኑን ኣብ ናይ ሰዊዝ ባህላዊን ማሕበረሰባዊ ሂወት ምስታፍ ኣገዳሲ ንጥፈት እዩ። መብዛሕትኦም ማሕበረሰባት ካብ ባዛርን ምርኢታት ዝበፅሕ ብዙሕ ምርኢታት ባህሊ የቕርቡ። እንታይ ዓይነት ባህላዊ ምርኢት ከምዘሎ ንምፍላጥ እቲ ዝበለፀ ሜላ ንመሳርሕትኻ፣ ንኣዕሩኽ፣ ዘመድን ጎረቤትን ምሕታት እዩ።

 

ስዊዘርላንድ ከም ሃገር ክለባት ድማ ተገይራ ትውሰድ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ትርፊ ግዚኦም ኣብ ዘሐጉሶም ንጥፈት ንምሕላፍን መሰላቶም ሰባት ንምርካብን ኣብ ክለባትን ማሕበራትን ግዜኦም ይሕልፉ። ንናይ ኩሉ ሰብ ጠለባት ከማልእ ዝኸእል ክለብኣሎ፡- ሙዚቃ፣ ስፖርት፣ ባህሊ፣ ተፈጥሮን ካልኦት ንጥፈታትን ኣለው። ኣባል ንምዃንን ኣገልግሎት ንምርካብን መብዛሕቲኡ እዋን ዓመታዊ ክፍሊት ወይ ናይ ኣባልነት ክፍሊት ይከፍሉ።

 

ኣብ ባህላዊ ምርኢታት ምስታፍ ወይድማ ኣባል ክለባት ምዃን ምስ ሰባት ንምፍላጥን ብዛዕባ ማሕበረሰብ ስዊዝን እቲ ዓዲን ብውሕዱ ንምምሃርን ይሕግዝ። ብተወሳኪ ብዛዕባ ቋንቋ እቲ ሃገር ዘለኩም ፍልጠት ንምምሕያሽ፣ ርክባትኩም ንምስፋሕን ኣብቲ ማሕበረሰብ ሰሪጽኩም ንምእታውን ይሕግዝ።