ኣብ Graubünden ዘለው ሕዝባዊ በዓላት

ኣብ Graubünden ዘለው ሕዝባዊ በዓላት

ኣብ Graubünden ዘለው ሕዝባዊ በዓላት

ኣብ ዞባ (ካንቶን) ግራይሶንስ እዞም ዝስዕቡ መዓልታት ህዝባዊ በዓላት እዩም፡፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ድንኳናትውን ዕጽዋት እዩም፡፡ ቅድሚ እቲ በዓል ዝበዓለሉ መዓልቲ (ድርኡ) መብዛሕትኦም ድንኳናት ኣቐድም ኣቢሎም ሰዓት 4 ድሕሪ ቀትሪ ይዓጽው፡፡

 

  • መዓልቲ ሓድሽ ዓመት (1 ጥሪ)
  • ዓርቢ ስቅለት ናይ ሰንበት ፋሲካ
  • ከምኡውን ናይ ሶኒ ፋሲካ
  • ዕርገት
  • ናይ ሰንበት ጴራቅሊጦስን ናይ ሶኒ
  • ጴራቅሊጦስ
  • ሃገራዊ በዓል (1 ነሓሰ)
  • ጾመ አዋጅ
  • ልደት (25 ታሕሳስ)
  • ቦክሲንግ ዴይ (26 ታሕሳስ)

ኣብ ትነብርሉ ምምሕዳር ከተማ ብዛዕባ ኣብቲ ዞባ ዝኽበሩ ህዝባዊ በዓላት ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

Graubünden ልምድታት

ኩሉ ቦታ ናይ ባዕሉ ባህልታትን ልምድታትን ኣለዎ። Graubünden ካብ ዝትምስረት ካብ 11,000 ዓመታት ንላዕሊ ዘቑፀረት እንትኾን ንናይ ባህሊን ቋንቋን ጀርመን፣ ሮማንያን ጣልያን ማእከል እያ። ስለዚ ድማ ንቋንቋን ባህሊን ሃብታም ክትከውን ገይሩ ኣሎ።

 

ገለ ገለ ባህሊታት ከም “Chalandamarz” ኣብ ክረምቲ “Barchinas” ኣብ ሓጋይ ዝኽበሩ ሕዝባዊ በዓላት ዘመን ፓጋን ዝጀመሩ እዮም።

 

ካብ ዝትነብራሉ ምምሕዳር ወይ ድማ ካብ ነበርቲ ብዛዕባ ባህላትን ልምዲታትን እቲ ዞባ ኩሉ ኣገዳሲ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።