ንተምሃሮ ዝግበር ሓገዝ

ብከመይ መልክዕ ንደቆም ክሕግዙ ይክእሉ?

ብከመይ መልክዕ ንደቆም ክሕግዙ ይክእሉ?

ካብ ኩሉ ብዝበለጸ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝርከቡሉ ቤት ትምህርቲን እቲ ቤት ትምህርቲ ንምፍላጥ ዘርእይዎ ድልየት እቶ ብትክእልዎ መጠን ኩሉ ጊዜ ደቆም “ሎሚ ትምህርቲ ከመይ ኔሩ“? ወይድማ “እንታይ እንታይ ኔሩ“? ኢሎም ይሐተቱ። ንዝህብዎም መልሲ ንምርዳእ ጊዜ ይውሰዱ። ደቕኹም ኣብ ዝኾነ ነገር ዕውት ክኾኑ ከለዉ ክትሕጎሱን ንዝትጸገማሉ ነገር ፍታሕ ከተዓላልሹ ከለው ክተተባብዑዎም ኣለኩም።

 

ካብ ቤት ትምህርቲ ምስ ተመለሱ ንደቆም ዘዘናግዕ ነገራት (ቴሌቪዥን ወይድማ ሬድዮ) ከይተሰናክሉ ኩሉ ጊዜ ከይተቋርፁ ዝወሃቦም ናይ ገዛ ዕዮ (ስራሕ) ክሰርሑ (ብተመሳሳሊ ቦታን ተመሳሳሊ እዋን) የረጋግጹ።

 

ደቆም ብእዋኑ ምድቃስን ምጽዋትን ዘነቃቅሕ እዋን እኩል ዝኮነ ድቃስ ምርካቦም የረጋግጹ። ደቆም ንግሆ ቁርሲ ምብልዕን ኣብ ትምህርቲ ጥዕንኡ ዝሓለወ ምግቢ ምርካቦም የረጋግጹ። መብዛሕትኡ እዋን ቴሌቪዥን ብምርኣይን ኮምፒውተር ጌይም ብምጽዋትን ዘሕልፉ ሕጻናት ናይ ትኩረት ምንኣስ ጸገም ከጋጥሞም ይክእል እዩ። ስለዚ ድማ ንሕጻናት ናይ ጊዜ ገደባት ምቕማጥ ኣድላይ እዩ።

 

ኣብ ውሽጢን ናይ ቤት ትምህርቲ ሕይወት ብጣዕሚ ዝተፈላለዩ ክኮኑ ይክእሉ እዮም። ክልቲኦም ስፍራታት ሕግታትን ባሕሪያትን ንምስምማዕ ንሕጻናት ከድንቈም ይግባእ። በዚ ምክንያት ወለዲ፣ መምህራን ከምኡ ውን ተንከባከብቲን ርክብ ብምፍጣርን ብምሕባርን ክሰርሑ ይግባእ። ኣብ ዓበይቲ ማእከል ጽቡቕ ርክብ ዝፍጠር ቆልዑት ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝሕወስሉ እዋን ትኩረት ክግበር ይከኣል።