ቤት ትምህርቲ

መዋዕለ ሕጻናት

ንጥፈት መዋዕለ ሕጻናት ከም ቤት ትምህርቲ ዲዩ?

መዋዕለ ሕጻናት ንቤት ትምህርቲ መዳለዊ እዩ። ሕጻናት ኣብዚኦም ቦታታት ብዙሕ ይፃወቱ፣ ስእሊ ይስእሉ፣ ይዝምሩን ይስዕስዑን ከምኡውን ናይ ኢደ ጥበብ ስራሕቲ ዝሰርሑ እንትከውን፣ ብመውዓሊ ሕጻናት ሰራሕተኛ ሓደርቲ ትምህርቲ ይወሃቦም። ሓደ ሓደ እዋን ምስ ሕጻናት ዝፃወቱ እንትከውን ካሊእ እዋን ድማ ምስ መምህራን ሓገዛን ቁፅፅርን ኮይኖም ይፃወቱ።

 

ጸወታ ትምህርቲ ሕጻናት ብቀጻሊ ዝረክብዎ ትምህርቲን ናይ መጻኢ ሕይወቶም ጠቃሚ ዝኮነ ክእለታት ዝህቡ እንትኮኑ ሕጻናት ምስማዕ መን ከምዝኮኑ ንባዕሎም ነዊሕ እዋን ኣብ ዝሰርሕሉ ስራሕ ወይድማ ኣብ ፆዎታ ኣብ ዝፀንሕሉ እዋን ትኩረት ንምግባር ናይ ባዕሎም ነገር ትልሚን ውሳኔን ክእለት ክረክቡ ይገብር። ካብዚ ብተወሳኪ ምስ ዓበይቲን ካልኦት ሕጻናት በምትሕብባር ዝፈጥርዎ ዋና ዋና ሕጊታት ዘክብሩሉ መንገዲታት የምህሮም። በዚኦም ክእለታት ምዕባይ ንሕጻናት ኣብ ዝቕጽል ትምህርቲ ውጺኢቶም ጽቡቕ ክኮኑ ኣጋጣሚታት ይፈጥር።