ቤት ትምህርቲ

ናይ ወላዲ ሓላፊነት

ናይ ወላዲ ሓላፊነት

ወለዲ ደቆም ከዕብዩን ከምህሩን ሓላፍነት ኣለዎም፡፡ ደቆም ንቤት ትምህርቲ ከፋንዉ፡ ትምህርቶም ይከታተሉ ከም ዘለዉ ከምኡውን ምስ ሕግታትን ናይ ግዜ ሰሌዳን ቤት ትምህርቶም ይኸዱ ከም ምህላዎም ክከታተልዎም ሓላፍነቶም እዩ፡፡ ዕዮ ገዛ ይሰርሑ ከምዘለዉ ምርኣይን ንዕኡ ዝኸውን ኩነታት ከጣጥሕሎምን ይግብኦም፡፡ ወለዲን ቤት ትምህርትን ብጥምረት ክዓዩ ኣብ ስዊዘርላንድ ዓቢ ጠመተ ዝወሃቦ ጉዳይ እዩ፡፡ ወለዲ ኣብ መኣዲ ዘተን ናይ ወለዲ ምሸትን ብስሩዕ እንዳተዓደሙ ይጽውዑ፡፡ ኣብ ቤት ትምህርቲታት ንዘሎ ሽግራት ዝበለጸ ፍታሕ ንምንዳይን ናይ ቀጻሊ ምርጫ ሞያታት ንምእላሽን ወለድን ቆለዑን ንጡፍ ተሳትፎ ክገብሩ ኣገዳሲ እዩ፡፡