ዝተፈላለዩ ባህሊታት

ዝተፈላለዩ ባህሊታት

ሕጻናት ብከመይ ዝተፈላለዩ ባህሊታት ምጥዕዓም (ምፅዋር) ይክእሉ?

ወለካ ሕጻናት ኣበይ ይህልው ኣበይ ብተመሳሳሊ መልክዕ ዝዓብዩ እንተኮይኑ ናይ አተዓባቢያ መንገዲ ግን ኣብ ማሕበራዊ ኩነታት ባህሊ ወይድማ ሃይሞኖታዊ ትሕዝቶ ወሳናይ ክከውን ይክእል እዩ። ተሰዲዶም ዝመፁኡ ሰባት ደቆም ብተመሳሳሊ እዋን ክልተ ዓይነት ከባቢታት ማለት ውን ወለዲ ዝጥቀምዋ ዓለምን ስዊዘርላንድን ክፃወሩ ይሕለው። ናብ ጎንፂ ከምርሑ ዝክእሉ ናይ ቋንቋ ዓይነት ሓበርካ ምንባር ዘድልዮም ትሕዝቶታትን ሕጊ ክህልዎ ይክእል። ሕጻናት ኣየናይ እየ ናተይ ሰፈር ዝብል ሕቶ ናብ ድንግርግር ከእትው እንተዘይኮይኑ ኣብ ክልቲኦም ዓለም ውሽጢ ተፃዊሮም ክወጽኡ ዘክእሎም መንገዲ ክመሃሩ ዘለዎም እዚ ቁልፊ ፈተና ይከውን።

 

ወለዲ ቤት ትምህርቲ ንኣብነት ንቆልዑት እዚ አመልኪቶም ክሕግዝዎም ይክእሉ እዮም። እዚኦም ኣካላት ሕጻናት ናይ ስዊዘርላንድ ትሕዝቶ ወለዶም ሒዞም ካብ ዝመፅኡ ትሕዝቶ ሚዛን ንክረኽቡ ክሕግዝዎም ይግባእ። እዚ ማለት ወለዶም ናይ ስዊዘርላንድ ትሕዝቶ ባህሊ ይቅበሉ እዮም። ማለት ይከውን። ብካሊእ ሸነኽ (ኣዘራርባ) ትምህርቲ ስተደኛ ወለዲ ዝነብሩሉ ሜዳ መነባብሮ ይቅበል ማልት እዩ።