ሕጻናት ምዕባይ

ዲጂታላዊ ሚዲያ

ኣብዚ ናይ ዲጂታል ዘመን ሕጻናት ብከመይ መንገዲ ምሕላው ይከኣል?

ሕጻናትን ጎርዞታትን በዚ ሕጂ እዋን እናዓበዩ ዝርከብሉ ብዙሕ ዝተፈላለየ ዓይነት ሚዲያታት ዝረኽብሉ ዓለም ውሽጢ እዩም። ኣብ ትርፊ ጊዜኦም ቴሌቪዥን ይርእዩ፣ ኮምፒውተር ጌም ይፃወቱ ሓበሬታ ንምርካብ ምስ ካልኦት ርክብ ንምግባር ኢንተርኔት ዝጥቀሙ እንትኸውን ከምኡውን ምስ ኣዕሩኽቶም ብሞባይል ቴሌፎን ይረኽቡ። ሓደሽቲ ናይ መራኸቢ ሚድያታት መራኸቢ ብዙሓት (ሚድያ) ኣብ ደቆም ና ቤት ትምህርቲ ናይ ሕድ ሕድ መዓልቲ ሕይወቶም መደበኛ ናይ ሕይወት ኣካል ዘቕፀሩ ይኮኑ። እዚኦም ንሕጻናትን ጎርዞታትን ብዙሕ ዕብየትን ዕድል ትምህርቲን ዝፈጥሩ እንት‘ኑከ ሓደጋውን ክነቕሉ ይክእሉ እዮም። ቴሌቪዥንን፣ ኢንተርኔትን ሱስ ዘትሕዙ ካብ ምኻኖም ሓሊፉ ኣብ ሕጻናትን ጎርዞታትን ጥቅዓት ከምጽኡን ናይ ባዕሎም መረዳእታታት ስእሊ (ፎቶታት) ንዘይተደለየ ጥቕሚ ክውዕልን ንጥቕዓት ርክብ ስጋ ክጋለፁ ይክእሉ።

 

ልክዕ ኣብ ኣካላዊ ዓለም ከምዘሎ ሕጻናት ብዲጂታል ዓለም ናይ መናእሰይ ዓበይቲ ሓገዝ መሰረት ዘለዎ ዲጂታል ሚዲያ ዘቕርብኦ ዕድላት ንምጥቃም እንተደልዮም ዝተረከቡ ውፂኢታት ምስ ቆልዑት ኮይኖም ምምይያጥ ኣድላይ እዩ። ምስ ቆልዑት ኮንካ ዲጂታል ሚድያ ምጥቃም ክንደየናይ ግልፂ ዝ‘ነ ገደብ ንምቅማጥ የድልይ። በዚ መልክዕ ደቆም ጥዕንኦም ዝሓለው ሚዲያ ኣጠቃቅማ ምኽታል ዝኽእሉሉ መንገዲ ከርእይዎምን ዝርከቡ ውፅኢት ሚድያ ብዓሚቑ ብምግምጋም ንምኽትታል ዘኽእሎምን ሓደጋ ንምፍላጥ ባዕሎም ብከመይ ምሕላው ከምዝግብኦም ንምፍላጥ ይሕግዞም።