ምምራጽ ዓውዲ ስራሕ

ንሕቶ ተግባራዊ ልምምድ ምንጻግ

ውሉደይ ሕቶኡ ክንጸግ ከሎ ከመይ ኣቢለ ከበራብሮ እኽእል?

ንመብዛሕቲኦም መናእሰያት ተግባራዊ ልምምድ ንምርካብ ዘመልክታሉ እዋን ብጣዕሚ ኣድካሚን መሰልቸዊን እዩ። ኣብ መብዛሕቲኦም ትካላት ንግዲ ሓያሎ ኣመልከትቲ ሞያዊ ስልጠናን ልምምደን ሕቶኦም ዝንጸገሉ ምኽንያት ሓያሎ ኣመልከትቲ ስራሕ ስለዘለዉ እዩ።

 

ኣብዚ እዋን ወለድቲ ብዛዕባ ተስፍኦምን ቅሬታኦምን ምስ ደቖም ሓቕነት ብዘለዎ መንገዲን ብንጹርን ምይይጥ ምግባሮም ኣዚዩ ኣገዳሲ ነገር እዩ። ናይ ደቕኹም ዓርሰ እምነት ንክድንፍዕን ንክሕይልን ንውሉድኩም ሓገዝ ክትገብሩ ኣለኩም። ሕቶኦም እንተድኣ ተነጸገውን ሕቶ ብምቕራቦም ንክቕጽላሉ መተባብዒ ሃቡዎም። ናይ ውሉድኩም ዓርሰ እምነት ንክሕይል ግበሩ።

 

ደቕኹም ብቐዳምነት ክዋፈሩሉ ዝደልይዎም መማረጽቲ ናይ ሞያ ዓውዲ ብዝምልኸት ኣዚዮም ንክሓስባሉ ብምግባር ንውሉድኩም ሓገዝ ክትገብሩ ትኽእሉ። እዚ ብዝበለጸ ደቆም ዝደልይዎን ዘለዎምን ውጽኢት ትሑት ኣብ ዝኮንሉ እዋን ኣዚዩ ተመራጺ እዩ። መናእሰያት ዘይሓሰብዎም ሓያሎ ኣውድታት ስራሕን ሞያታትን ኣለዉ።ሕጻናት ውሉድኩም ጽቡቕ ዕድላት ዘለዎ ቅኑዕ ዓውዲ ስራሕ ወይ ሞያ ንምርካብ ምስ መማኸሪ ዓውድታት ስራሕ ንክዘራረብ ክተተባብዑዎ ኣገዳሲ እዩ። ብዝኾነ ይኹን ምስ መማኸሪ ምዝርራብ ዝሓሸ እዩ።