ምኽሪ

ምኽሪ

ኣብ በዕሎምን ኣብ መንጎ ደቆምን ጸገም እንተተፈጢሩ ኣበይ ሓገዝ ክረክቡ ይክእሉ?

ኣብ ስዊዘርላንድ ውሽጢ ንወለዲ ስድራ ቤትን ሕጻናትን ሓገዝ ዘቕርቡ ሰፊሕ ኣገልግሎታት ይረክቡ። ንመብዛሕትኡ ናይ ምኽሪ አገልግሎት ዝሓትዎ ክፍሊት አይህልውን።

 

ምክሪ ንወለዲ

ህጻናትን ዕሸላትን ውላድ ዘለዎም ስድራ ንኣማኸርቲ ወለዲ ክውከሱ ይኽእሉ። ኣብኡ ንሕቶታት ኣመጋግባ፣ ክንክን፣ ኣተሓሕዛ፣ ኣተዓባብያ ቆልዓ ዝምልከት ምኽሪ ክረኽቡ ይኽእሉ። ቆልዓኹም ኣዘውቲሩ ዝበክይን ዘይርጉእን እንተ ኾነን ኣብኡ ምኽሪ ምርካብ ትኽእሉ። ነዚ ብዝምልከት ኣብ ናይ ምኽሪ ማእከል ክትከዱ ትኽእሉ። ድልየትኩም እንተ ደኣ ኮይኑ፤ ኣማኸርቲ ኣብ ገዛኹም ክበጽሓኹም፣ ወይ ብቴሌፎን ፣ ወይውን ናይ ኢንተርነት መስመራዊ ሓበሬታ ክህባኹም ይኽእላ። ሓበሬታ ብዛዕባ ቀረባት ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ናይ ዞባኹም ዝምልከት ኣብቲ እትነብርሉ ቦታ ኣብ ምምሕዳር ትረኽቡ።

 

ስነ-ኣእምሮኣዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲታት

ኣብ Graubünden ካንቶን ኣብ ቹር፣ ኣብ ዳቮስ/ፕላትዝ፣ ዶማት፣ኢምት፣ ኢላንዝ፣ ላንድኳርት፣ ፖስቺያቮ፣ ሴንት ሞሪትዝ፣ ስኩዌልን ኣብ ቱሲስን ዞባዊ ኣብያተ ጽሕፈት ኣለዉ። ንዝሓሸ ሓበሬታ ምስቲ ዋኒን ተተሓሓዚነት ዘለዎም ትካላት ናይ መራኸቢ ዝርዝር እንተደልዮም Amt für Volksschule und Sport (ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ስፖርት) (ምንቅስቃስ ሰውነት) (መምርሒ) ድሕረ ገጽ ምርኣዩ።

 

ናይ Graubünden ናይ ቆልዑትን መንእሰያትን ስነ-ኣእምሮ

ናይ ሕጻናትን ጎርዞታትን ናይ ኣእምሮ ሕክምና ኣገልግሎት (Kinder- und Jugendpsychiatrie Graubünden) ናይ ኣእምሮ ጸገም ጠቓሚ ምኽሪን ናይ ሕክምና ክትትል የቕርብ። ዋና ቤት ጽሕፈት ኣብ Chur/ቹር ይርከብ። ካልኦት ዞባዊ ማእከላት ድማ ኣብ Davos, Ilanz, Samedan, Roveredo ከምኡውን ኣብ Poschiavo ይርከቡ።

 

ድህረ ገጽ ዝወሃቡ ኣገልግሎት ናይ ዋና ቤት ጽሕፈት ክልላዊ ቢሮታት መራከቢ ኣድራሻ ሓበሬታ ትሕዝቶ።

 

ናይ ሕጹጽ እዋን ናይ ሕጻናትን ጎርዞታት ሓገዝ

እዚ 147 ናይ ሓደጋ መልሲ መውሃቢ Pro Juventute መስመር ሓገዝ ቆልዑን መናእሰይን ንዝህልዎም ሕቶ፣ ፀገማትን ንህጹጽ ኩነታትን ድጋፍ ይህብ። ኣብ 24/7 ይርከብ፡፡ ብተሌፎን ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ፣ ብቻት፣ ብኢ-ሜይልን ብኣገልግሎት መርበብ ሓበሬታን ተወከሱ።