ጥዕና ስጋዊ ርክባትን መሰላትን

ጥዕና ስጋዊ ርክባትን መሰላትን

ንናይ ስጋዊ ርክብ ጉዳያት ዝምልከት ሓበሬታን ምኽርን ኣበይ ክረክብ ይኽእል?

ንናይ ስጋዊ ርክብ ጥዕና፣ ናይ ኣካልን፣ ስምዒትን፣ ኣእምሮን ማሕበረሰባዊ ቅሳነትን ምስ ስጋዊ ርክብ ኣዛሚዱ ዝገልጽ ኩነት እዩ። ናይዚ ቅድመ ኩነት ክብረት ዝሓለወ ኣቀራርባ ስግዊ ርክባትን ወሲባዊ ዝምድናን እዩ። ኣብ ርእሲዚ ዘሐጉስን ጸገማት ዘየስዕብን ስጋዊ ፍጻመ እውን ኣገዳሲ ነገር እዩ። እዚውን ካብ ምግዳድ፣ ኣድልዎን ዓመጽን ናጻ ዝኾነ እዩ።

 

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝኾነ ስጋዊ ርክባት ኣብ ናጻ ድልየት ዝተመርኮሰ እዩ። ማንም ሰብ ተገዲዱ ክፍጽሞ የብሉን። ኩሉ ሰብ ብዘይፍቃዱ ኣካሉ ከይግሰስ መሰል ኣለዎ። ኣብ ውሽጢ ስዊዘርላንድ ይፈጸም ኣብ ወጻኢ፣ ምጉንዳብን ምኽንሻብን ናውቲ ብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ክልኩል እዩ።

 

ንሕቶታት ናይ ስጋዊ ርክብ መሰላት፣ ምክልኻል ጥንሲ፣ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት፣ ጥንስን ሕርስን፣ ምንጻል ጥንሲ፣ ከምኡውን ስጋዊ ርክብ ምስ መጻምድትኻ ዝምልከቱ መልሲታት ኣብ ኢንተርነትን ናይ ሓበሬታ ፖርታል ወይ ከኣ ኣብ ኣብያተ ምኽሪ ክርከብ ይከኣል።