ሕማም

ናይ ቆልዑት ኣገልግሎታት

እንታይ ዓይነት ኣገልግሎታት ንቆልዑት ይቀርቡ?

ካብዚ ተወስኪ ወልቀ ናይ ቆልዑት ዶክተር (ፒዲትሪሽን) ፋሉይን ነፃ ናይ ቆልዑት ናይ ትምህርቲ ኣገልግሎት:-

 

  • በዓል ስልጣን ቤት ትምህርቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ዶክተር ናይ ምቅራብ ሓላፋነት ኣለዋ። ናይ ቤት ትምህርቲ ዶክተር ኣብ መወኣለ ቆልዑት ዝመሃሩ ተመሃሮ ቆልዑት ጉብኝት ይገብር። ኣብ 4 ዓመትን 8 ዓመት ናይ ትምህርቲ እዋን ክትባት ይከትቦም። እዚ ማለት ናይ ጥዕና ጸገምን ሕክምና ኣቀዲሙ ይግበር ማለት እዩ።
  • ኣብ ቤት ትምህርቲ ናይ ስኒ ሓኪምን ናይ ስኒ ጽሬትን። ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ ናይ ተመሃሮ ቆልዑት ሰኒ ብናይ ሰኒ ሓኪሞ ይረኣይ። ካብዚ ተወሳኪ ናይ ሰኒ ጸሬት ኣገልግሎት ብመደበኛ እንተጸወዓ ቆልዑት ስኖም ብደንቢ እናበረሽ ምኻኖም ክርእይ ይግበር
  • ኣብ ቤት ትምህርቲ ናይ ስነ ልቦና ኣገልግሎት፡፡ ስለ ቆልዑት ትምህርቲ መገልገሊ መሳርን ጸገማት ዓብየት ሓገዝ ይህብ

ኣብ ህጹጽ ኩነታት ንዘለዉ ቆልዑት ዘገልግል ናጻ መስመር ተሌፎን

ኣብ Graubünden ካንቶን ሆስፒታል ዝርከብ ክፍሊ ሕክምና ሕጻናት ኣብ ህጹጽ ኩነታት ንዝርከቡ ቆልዑት ዘገልግል ናጻ መስመር ተሌፎን ኣለዎ። ወለዲታት ብቑፅሪ 0900 25 66 11 ንሕቶ ሕክምና ፕሮፌሽናል በዓል ሞያ ምላሽ ይረክቡ።

 

እዚ ቴሌፎን ሆትላይን ኣብ መዐኣልቲ ን24 ሰዓታት ዝስርሕ እዩ።፡ ዝድወልዎ መስመር ሲኤችኤፍ 3.23/ደቂቃ (ካብ ጃንዋሪ 2019 ጀሚሩ) ንሕይወት ሓደገኛ ዝኮነ ሕጹጽ ቁጽሪ 144 ወይድ 112 ደውላ።