ጥዑይ ናብራ

ጥዑይ ናብራ

ጥዑይ ቅዲ ናብራ ዘጠቓልሎም ነገራት እንታይ እዮም?

ጥዕና ህያብ እዩ፤ ይኹን እንበር ጥዕናና ንምሕላው ንጡፍ እጃምና ክንጸወት ንኽእል ኢና። ጥዑይ ቅዲ ናብራ ብጥዕና ንክንነብር ዝገብር እቲ ብሉጽ መንገዲ እዩ።ሓ። እዚ ድማ ምክልኻል ተባሂሉ ይፍለጥ። ምክልኻል ማለት ድማ ነብስና ካብ ሕማም ንምክልኻል ንሕግዝ ኣለና ማለት እዩ። ይኹን እንበር ጥዑይ ቅዲ ናብራ ዘጠቓልሎም ነገራት እንታይ እዮምሓ? በዚ መዳይ ዝጠቓለሉ ነገራት ንጥዕና ኣገዳሲ ዝኾነ መግቢ፣ሓ እኹል ምንቅስቓስ ኣካል፣ ንቡርኣ ኣኣካላዊ ክብደት፣ እኹል ድቓስ፣ ውሑድ ጎንጺን ወጥሪን፣ ጽቡቕ ማሕበራዊ ሕይወት፣ ሸጋራ ዘይምትካኽን ውሑድ ኣልኮላዊ መስተ ምውሳድ ወይኣ ፈጺምካ ኣ ዘይምወሳድ እዮም።