ግብሪ

ግብሪ

ኣብ ስዊዘርላንድ ግብራዊ ዝኾኑ ግብሪታት እንታይ እዮም?

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብር፣ ዝሰርሕ ወይ መስርሕ ዕድጊት ዝፍጽ ዝኾነ ሰብ ክፍሊት ግብሪ ናይ ምኽፋል ግቡዕ ኣለዎ። ግብሪ ምክፋል ናይ ሕዝቢ ግቡዕ እዩ። ግብሪ ናይታ ሃገር ዋና ፍልፍል እቶት እዩ ከምኡውን ግዴታታት ከማልእ ዘለዎ እዩ።

 

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝተፈለለዩ ደረጃታት ግብሪ ኣለዉ። ቀጥተኛ ግብሪታት ነታ ዓዲ ብጣዓሚ ጠቃማይ ግብሪ እዩ። እዚ ዘካትቶ ግብሪ እቶት ግብሪ ንብረት ግብሪ ምስ እቶት ዝተሓዋወሰን ግብሪ እቶት ካፒታል ዘጠቓልል እዩ።

 

ስለዚድማ ዘይስሩዕ (ቀጥተኛ ዘይኮነ) ግብሪ እዚ ዘጠቓልሎ ተወሳኺ እሴት ግብሪ፤ ቀረጽ ትምባሆ፣ ክፍሊት ፍቓድ ከልቢ፣ ግብሪ ተሽከርካርቲ ከንቶን ግብሪ ሎተሪን ካልኣት ብዙሓት ኣካላት እዩ። እዚ ግብሪ ዝቅነሰ ብመዘጋጃ ቤታት ካንቶን ወይድማ መንግስቲ ፌደራል ኮይኑ ብመሰረት ዓይነት ግብሪ እዩ።