ግብሪ ኣብ መበገሲ

ግብሪ ኣብ መበገሲ

ስደተኛታት ዝኸፍሉዎም ዓይነታት ግብሪ እንታይ እዮም?

ኣየናይ ግብሪ እዩ ስደተኛታት ዝከፋልዋ ስደተኛታት ልክዓ ከም ዜጋታት ስዊዝ ግብሪ ናይ ምክፋል ግዴታ ኣለዋም። ኣብ ዝነብሩሉ ቦታ ንኹሎም ንመዘጋጃ ቤትን ካንቶን ይኽፈሉ - እዚኦም ግብሪ መዘጋጃ (ወይድማ ከባቢያዊ መጠን)ን ግብሪ ኮንቶናል - ከምኡውን ንመንግስቲ ፌደራል። እዚኦም ስሩዕ ግብሪ ፌደራል ተባሂሎም ይፍለጡ።

 

እዚ ስርዓት ግብሪ ኣጣሚሩ ዝሕዘ ንኣብነት መብዛሕቲኦም ሰበት ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ ተመላሲ ግብሪ ይመልኡ። ኣብዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክንደይ ዝከውን ከምዝረከቡን እንታይ ንብረታት ከምዝወነኑ ይገልጽ። ናይ ግብሪ ተመላሲ ናብ ከባቢያዊ በዓል ስልጣን ቀረጸ ይቀርብ። እቲ ብርኪ ግብሪ ይጽብጸብን እቲ ዝፍቀድ ቀረጸ ይንጽርን።

 

ስዊዘርላንድ ፍልፋል ግብሪ ትክተል። እዚ ብመስርሒ ቀረጸ ከፈልቲ ሰባት ዝከፈልዎ ዝቅነስ እዩ። እቲ መስርሒ ካብ ደመወዝ ይቅንስን እቲ ዝተቀነሰ ገንዘብ ናብ በዓል ስልጣን ቀረጸ የዝዋውር። ምድብ C ፍቓድ መንበሪ ዘይብሎም ስደተኛታት እዚ ዓይነት ፍቃድ ንዝለዎ ዝኮነ ይኹን ሰብ ወይድማ ናይ ስዊዝ ዜጋ እንተዘይተመርዒዮም ነዚ ቀረጽ ይኸፍሉ። ፍልፍል ቀረጽ ካብ ከንቶን ናብ ካንቶን ይፈላላይ ከምኡውን ካብ ዓመት ናብ ዓመት ይለዋወጥ።

 

ስዊዘርላንድ ስደተኛታት ክልተ ሻዕ ግብሪ ንከይኸፍሉ ንምግባር ካብ 100 ንላዕሊ ምስዝኾኑ ሃገራት ክልተ ሻዕ ናይ ዝፍጸም ክፍሊት ግብሪ ስምምዕ ውዕል ኣለዋ - ኣብ ስዊዘርላንድን ኣብ መበቆል ዓዲ ማለት’ዩ። እዚ ውዕሊ ስምምዕ ምስ ምጭብርባር ቀረጽ ተተሓሒዞም ዝመጻሉ ነገራት ንምፍታሕ ጠቃሚዩ።