ናይ ባንክን ፖስታ ቤትን ኣካውንትታት

ናይ ባንክን ፖስታ ቤትን ኣካውንትታት

ብከመይ እዩ ናይ ባንክ ወይ ናይ ፖስታ ቤት ኣካውንት ዝኸፍት?

ምናልባት ግልጋሎት ባንክ ወይድማ ናይ ፖስታ ቤት ፋይናንስ ንምጥቃም እንተደኣደልዮም ናይ ባንክ ኣካውንት ክህልዎም ይግባእ። ብዙሕ ዓይነት ኣካውንት ንዝተፈላለየ ዓላማ ምስ ዝተፈላለየ መጠን ወለድን ክፋት ክጥቀሙሉ ይክእሉ። ብውሕድ መግለጺ ሓሳብ ብምሕታት ወይድማ ብኦን ላይን ባንኪንግ ናይ ባንክ ክፍሊት ክቅንሱ ይክእሉዮም።

 

ናይ ባንክ ኣካውንት ንምክፋት ናብ ዝመረጹዎ ባንኪ ወይድማ ቤት ጽሕፈት ፖስታ ምስኬድካ ብመጀመርታ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ መማረጺታት ፍለጥ፡፡ ውሳነ ወሲንካ ኣካውንት ንምኽፋት ክትደሊ ከለኻ መንነትካ ክተረጋግጽ ኣድላይ ይኸውን፡፡ ፓስፖርትን ናይ መንበሪ ፍቓድካን ኣገዳሲ እንተኾይኑ ድማ ኣስተርጓይ ሒዝካ ምጻእ፡፡