ናይ ሓጺር እዋን ልቓሕ

ናይ ሓጺር እዋን ልቓሕ

ብዛዕባ ናይ ሓጺር እዋን ልቃሕ እንታይ ክፈልጥ ኣሎኒ?

ምናልባት ናይ ገንዘብ ጸገማት እንተሓልይዎምን ናይ ሓጺር እዋን ልቃሕ ብምውጻእ ንሓድሽ መኪና ወይድማ ንበዓል ከውጸኡ ይክእሉ። ይኹንምበር ባንክታት ክሳብ 15% ዓመታዊ ወለድ ስለዝሓቱ ናይ ሓጺር እዋን ውልቀ ሰባዊ ልቓሓት ኣዚዮም ኽቡር ከምዝኾኑ ክትፈልጡ ኣለኩም።

 

ናይ ሓጺር እዋን ልቃሕ ግዜ ንዘይህብ ጸገም ትኽክለኛ ፍታሕ ዝኾናሎም ኩነታት ኣለዉ። ይኹን እምበር ኩልሻዕ ልቓሕ ክትወስዱ ከምዘይብልኩም ኣዚና ነተሓሳስበኩም ንደሊ፤ ምኽንያቱ ድማ ብነዊሕ እዋን ኣብ በጀት ስድራ ቤትኩም ናይ ዕዳ መዕደዪ ኣዚዩ ክውሰኽን ብፍላይ ድማ ስራሕ ኣልቦ ክትኾኑ ከለኹም ክትጽገማሉ ስለዝትኽእሉ እዩ።

 

ናይ ሓጺር እዋን ልቓሓት ምርጫ ዝተፈላለየ እዩ። ቕድሚ ምውሳንካ ነቶም መማረጺት ብዕምቆት ክተነጻጽሮም ከምኡውን ወጻኢታት ኣጸቢቕኻ ክትጽብጽቦም ኣገዳሲ መስርሕ እዩ። ከምኡውን ዘለዉ መማረጺታት ርአይ፡፡ ካብ ቤተሰብ ወይ ካብ ዓርኪ ዝርከብ ልቓሕ ሕሱር ክኸውን ይኽእል፡፡ ወይ ኸኣ ካብ እትረኽቦ መኽሰብ ብምዕቋር እኹል ገንዘብ ክተዋሕልል ከለኻ ጥራሕ ንዝትደልዮ ነገር ተጠቀመሉ፡፡ እዚ ድማ እቲ ሕሱር መማረጺን ሓገዝ ዝትረኽበሉን እዩ፡፡