ናይ ሞያ ብቅዓት

ናይ ሞያ ብቅዓት

ናይ ሞያ ብቅዓት

ብሞያ ዓቢይ ናይ ስራሕ ልምዲ እናሃለወኩም ብቅዓትኩም ብትምህርቲ ወይ ብስልጠና ተዘይተረጋጊፁ ብቑዕ ከምዝኾንኩም መረጋገፂ ተባሂሉ ዝፍለጥ ከይዲ ብምጥቃም ወይድማ ናይ ምሸት ትምህርቲ ብምክትታል መረጋገፂ ምርካብ ይክእሉ እዮም። (2. Bildungsweg).

 

ናይ ትምህርቲ መጠቃለሊ መረጋገፂ ዝበሃል ኣብ ሓደ ስራሕ ዓውዲ ዘለኩም ኣፍልጦን ልምዲ ብምቕራብ መረጋገፂ ዝረክቡሉ መንገዲ እዩ። በዚ ናይ ስራሕ ዓውዲ እንተወሓደ 5 ዓመት ናይ ስራሕ ልምዲ የድልዮም። እዚ ዘየማልኡ እንተኮይኖም ባር ኣብ ስዊዘርላንድ ኣፍልጦ ዝተወሃቦ ናይ ብቅዓት መረጋገፂ ምርካብ ይክእሉ እዮም። እዚ ንምግባር ኣብቲ ሞያ ዘለዎም ፍልጠት ምፍላይ ምምርማርን ኣብ ፋይል ኣደልዮም መቅራብ ይሕልዎም። ዘቅረብዎ ፋይል ኣብ ውልቀ ሞያኦም ዓቢይ ፍልጣት ብዘለዎም ባዓል ሞያታት ይምዘን። ፍልጠቶምን፣ ክእለቶምን ዝጠቅሞም ሞያ ይረክቡ። ናይ ፍልጣት ክፍተት ከምዘለዎም እንተድኣ ተራእዩ ተወሳኪ ስልጣና ክረክቡይክእሉእዮም።

ናይ ምሸት ክፍሊ ናይ ሞያ ስልጠና ትምህርቲ

ዓበይቲ ናይ ምሸት ናይ ሞያ ስልጠና ትምህርቲ ክረክቡ ይክእሉ እዮም። እዚ ንምግባር ብሓደ ሞያ ወይድማ ናይ ስራሕ ዓውዲ እንተወሓደ 5 ዓመት ናይ ስራሕ ልምዲ ክህልዎም ይግባእ። እዚ ዘማልኡ እንተኮይኖም ዝስማማዕ ናይ ሞያ ትምህርቲ ኮሌጅ ናይ ሞያ ስልጠና ንምርካብ ዘክእሎም ናይ ሞያን ኣጠቃላሊ ፍልጠት ክህልዎም ይግባእ። ፍልጠት ንዝኮኑ ከም ናይ ንዓዲ ስልጠናታት ዝኣመሰሉ ናይ ሞያ ስልጠናታት ንዓበይቲ ሰባት ፍሉይ ትምህርቲታት ይወሃብ።

 

በብዓመቱ ካብ 1000 ሓደ ሺሕ ንላዕሊ ዝኮኑ ኣድላይ ምድላዋት ዘማልዑ ዝኣኸሉ ሰባት ብፌደራል ደረጃ ኣፍልጦ ዝተውሃቦ ሞያዊ ስልጠና ይወስዱ እዮም።