ናይ ስራሕ ፍቓድ

ናይ ስራሕ ፍቓድ

ናይ ስራሕ ፍቓድ ዝረክብ መን እዩ?

ነዚ ኣመልከቱ ኣብ ሲዊዘርላንድ ብመሰረታዊ ክልተ ዓይነት ግንዛቤታት ኣለዉ:-

 

ካብ EU/EFTA ኣባል ሃገራት ንዝመጽኡ ተቆጻሪ ስራሕ ናይ ምዃን ዕድል ዘለዎም ሰባት ኣብ መንጎ መንግስቲ ስዊዘርላንድን ሕቡራት ሃገራት ኤውሮጳ (EU) ዘለው ስምምዓት ምርኵስ ብምግባር ስራሕ ናይ ምርካብ ዝሓሸ ዕድል ኣለዎም።

 

ካብ ካሊእ ዓዲ ዝመጽኡ ተቆፃሪ ሰራሕተኛ ኮይኖም ምስራሕ ዝደልዩ ውልቀ ሰባት ናይ ምስራሕ ፈቃድ ክወሃቦም ዝክእል ኣዝዩ ዓቢይ ብቅዓት ዘለዎም ብቁልጡፍ ንስራሕ ቆፃር ዝድለዩ ሰራሕተኛታት ምኻኖም እንተተሓሲቡ ጥራሕ እዩ።

 

መንግስቲ ስዊዝ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ስደተኛታት (SEM) ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ምስራሕ ፍቃድ ንምርካብ ምምላእ ዝግብኦም ኩነታት ምርኣይ ይካኣል። እዚ ሓበሬታ ብጀርመን፣ ፈረንሳይ፣ ጣሊያን እና ኢንግሊዝ ምርካብ ይኽእሉ እዮም።

 

ኣብ ትነብሩሉ ግዝኣት ናይ ሰራተኛነት ፍቃድ ክረክቡ ዝክእሉ ምኻኖም ንምውሳን ክጥዕሞም ኣብ ላዕሊ ዝተቀመጡ መስፈርቲታት ይጥቀሙ። በጃኩም ንዝሓሸ ሓበሬታ Amt für Migration und Zivilrecht Graubünden (ናይ ግራይሶን ቤት ጽሕፈት ስደትን ሰብኣዊ ሕጊን) ክረክቡ ይክእሉ እዮም።